Welcome to TDVA site

ሸዊት ሸዊቱ

      Page 8

ብዛዕባ ኣመጋግባ እንተኾነ'ውን ገዚፍ ፀገም'ዩ ነይርኒ፡፡ ተምሃሮ ዝምገብሉ ስፍራ ንናይ ጉድኣት ወንበር ኣይጥዕምን፡፡ ገለ ፍቓደኛታት ተምሃሮ ምግቢ ሒዞምለይ እንተዘይመፅዩም ፀመይ ይውዕል ወይ ይሓድር፡፡ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ሓቂ ካምፖስ ንኣካል ጉዱኣት ዝጥዕም ሽንቲ ቤት ክሳብ ድሓር ኣይነበረን፡፡ ኣብ ምጥቃም ሽንቲ ቤት'ውን ዓብይ ፀገም ኣሕሊፈ እየ፡፡

ብማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ዝተገበረሉ ኩነታት

ማሕበር ማለት ዋና ትርጉሙ ብዙሓት ሰባት ተኣኻኺቦም ዝረዳድእሉ ዓውደ ልምዓት'ምበር ርዳአታን ፅግዕተኝነትን ዘንግስ ባይታ ኣይኮነን፡፡ እዙ ማሕበር'ዚ እውን ኩሉ ጉድእ ኩናት ብጅግንነት ከልምዕ ኣንፈት ዝሕብር ዝመርሕ አንበር ኮፍ ኢልካ ተፀበ ዝብል ኣንፈትንት ዕላማን የብሉን፡፡ "እዚ እንትብል እንተለኹ ግና ኣብ ፅላል ማሕበርና ድጋፍ ኣይንረክብን ንምባል ኣይኮነን ኣነ ብማሕበረይ ዝግበረለይ ድጋፍ ባዕሉ ንኽነብር ዝውስን እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን ገዛ መንበሪ ሳሎን ሓዊስካ ክልተ ክፍልታት ገዛ ምስ ሽንቲ ቤትን ሻወርን ተሰሪሑለይ ኣብኡ ይነብር ኣለኹ፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ክሳብዘሃለኹ ከይፅግመኒ ንምትብባዕ በብወርሒ 150.00 ብር እናተውሃበኒ እየ ተማሂረ፡፡ እዚ ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከማይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ንዝከታተሉ ኩሎም ኣባላት ማሕበር በብወርሑ ዝወሃብ እዩ፡፡

ካልእ ማሕበርና ምስ መንግስቲ ተረዳዲኡ በብወርሑ 438.00 ብር ናብራ ክመርሓሉ ዝኽእል ገንዘብ ይወሃበኒ እዩ፡፡ ብዘይካ እዚ ተሽከርካሪ ወንበር ብነፃ ካብ ምቕራብ ሓሊፍ እንተተበላሽዩ እውን ይፅገነለይ፡፡ ነኡሽተይ ጓለይ"ኒኮላስ" ኣብ ዝበሃል በቲ ማሕበር መዋእለ ህፃናት ብነፃ ክትመሃርን108.00 ብር በብወርሑ ንዝተፈላለየ ወፃኢ ዝሽፍን ብር ይወሃበኒ እዩ፡፡ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን'ምበር ካብ ሃይስኩል ክሳብ ሕዚ ናይ ትራንስፖርት ድጋፍ'ውን ኣይተፈለየንን፡፡ ሕፅር ብዝበለ እዚ ማሕበር እዚ ሕይወተይ ንክልውጥን ከምቲካልእ ሰብ ከልምዕ ወይ ክመሃር ሓጊዙኒ እዩ፡፡

አብ መወዳእታ መልዕኽቲ ሽዊት

ጉዱእ ኣካል ም¥ን ማለት ኣብ ገዛ ተዓፂኻ ምውዓል ማለት ኣይኮነን፡፡ ነንባዕልትና አናተሓባበርና ንልምዓት ብፍላይ እናተወደብና ባዕልናን ከባቢናን እንተልሚዕና ኢና ክንዐብይ ንኽዕል ፡፡ ሕ/ሰብ ድማ ብፍላይ እቲ ናይ ሕዚ ወለዶ ታሪኽና ክወርሰን ንትውልዲ ከመሓላልፎን ይግባእ፡፡ ካልእ ማሕበር  ጉድኣት ኩናት  ሕዚ ፅቡቕ ኣንፈት ሒዙ ኣሎ፡፡ ናይ እቶት ፍልፍል ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓስ ይገብር ስለዘሎ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክቕፅል ይግባእ ዝብል እምነት ደገፍቲ ማሕበርና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለው ይኹን ኣብ ወፃኢ ደገፎም ዝያዳ ከሐይሉን በዚኣቢሎም ጉድኣት ኩናት ባዕልና ንምኽኣል ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ ኣብ ጐንና ጠጠው ክብሉ ይፅውዕ፡፡

               ============//===========

Page 7/8


Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6
|7 |8

 

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans

Sponosr a child today
ClicK here to see
childrens profiles


Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea