![]() |

Page 7
"ኩነታት ትምህርትን ፈተናታቱን ከ እንታይ ይመስል ?"
ኣቐዲሙ ዝተርኣየኒ ኩነታት ትምህርቲ እዩ ዝነበረ፡፡ ብ1984 ዓ.ም ኣብ ውቕሮ ኣብ ውሽጢ ስፍራ ጀጋኑ ትምህርቲ እንትጅመር 1ይ ክፍሊ ጀሚረ፡፡ ስፍራ ጀጋኑ ናብ ዓዲግራት ምስተቀየረ'ውን ቀፂለ፡፡ ብ1990 ዓ.ም 8ይ ክፍሊ ፈተና ወሲደ 72/93% ነጥቢ ረኺበ ናብ 9ይ ክፍሊ ሓሊፈ፡፡ ካብ 1ይ ክፍሊ ከሳብ 8ይ ካብ ክፍሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዩኒት'ውን 1ይ ደረጃ ተሓዲገ ኣይፈልጥን፡፡ ብሰንኪ ወራር መንግስቲ ኤርትራ ኣቋሪፀዩ እኳ እንተነበረ ከም እንደገና 9ይን 10ይን ክፍሊ ተማሂረ ብ1994 ዓ.ም ናይ ማትሪክ ተፈታናይ ኮይነ 2.8 ነጥቢ ረኺበ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ©ውሃንስ ኘሪፖራቶሪ ቀፂለ፡፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ትምህርቲ 12 ክፍሊ እንትፍተን 238 ነጥቢ ረኺበ ናብቲ ዝምነዩ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ በቃዕኩ፡፡ ሕዚ ብኣካውንቲንግ ፋይናንስን ካብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ብ1999 ዓ.ም BA ዲግሪ ተመሪቐ እየ፡፡
ዝመሃረሉ ዝነበረ ቦታ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ሓቂ ካምፖስ እዩ ኣብ ከይዲ ትምህርቲ ዘጋጥምዎ ፀገማት ከምዝስዕብ ይገልፅ፡፡ ፀገማት ንኣይ መካይደይ እዩም ዝመስሉ፡፡ ግን ከዓ ይምክቶም፡፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዩውሃንስ እንትምሃር ዘጋጥመኒ ዝነበረ ፀገም ብተሽከርካሪ ወንበር ምጉዓዝ እዩ፡፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ብማሕበር ዝግበር ናይ መኪና ድጋፍ እ¥ እንተነበረ ምሉእ ኣይኮነን፡፡ መንበሪየይ ኣብ ዓዲ ሓውሲ መንደር ብም¥ኑ ናብ ሃፀይ ዩውሃንስ ርሕቐት ኣለዎ፡፡ ብለይቲ ገስጊሰ ብንፋስን ቁርን ክቅፍቀፍ ኣርፊደ አትየ ይመሃር፡፡ ንገዛይ ኣብ ምምላስ ድማ ዝገደደ ይኸብደኒ፡፡ ዓቐበት ስለዝኾነ ተሽከርካሪ ወንበረይ ምሽክርካር ይኸብደኒ፡፡ ይደኽም፡፡ ኣብገዛ ምስኣተኩ ብድኻም ከይተመገብኩ ይድቅስ፡፡ ከምኡ እናበልኩ ትምህርቲ ወዲአ ናብ ዩኒቨረስቲ ምስ ኣተኩ'ውን ካልእ ፀገም እዩ ዝተቐበለኒ፡፡


ዝመሃረሉ ዝነበረ ክፍሊ ኣብ 1ይ ፎቕ እዩ፡፡ ኣብ ምውራድን ምድያብን ዝለዓለ ፀገም እዩ ዝነበረኒ፡፡ 4 ሰባት ኮይኖም ምሰ ተሽከርካሪ ወንበረይ የደይቡኒ፡፡ ንሳቶም'ውን ፍቓደኛታት እንተኮይኖም እዩም፡፡ እንተዘይኮይኑ ክፍሊ እንተይኣተኩ ኣብኡ የርፍድ፡፡ ቤተ ንባብ አንተኮነ'ውን ብዝበኣሰ ኣብ 3ይ ፎቕ ብም¥ኑ ኩሉ ተምሃራይ እንተፅንዕ ኣነ ኣብ ምድያብ ይፅገም፡፡ ኣብዚ'ውን ገለ ግዱሳት ሰባት ምስ ተሽከርካሪ ወንበረይ ሻምቦ ሻምቦ ኢሎም ይማልኡኒ፡፡ ነዚ ዘይቕበሉ ቀሊዶምለይ ዝሓልፍ'ውን ግን ኣይተስኣኑን፡፡
Page 7/8
Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6 |7 |8

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans

ClicK here
to see
childrens
profiles

“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.
(Nov. 2007)
Read Story Of Amaresh

"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",
(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea
Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved