![]() |

Page 6
ደሴን ከባቢኣን ንምቁፅፃር ምክንያት ዝኮኑ ኣኽራናት ንጀጋኑ ዝናፍቁ ክመስሉ፣ ደበና ሓጋይ ሓዚሎም ተፀበዩ ኣነ ምስ ብፆተይ ደድሕሪ ፀላእትና ሰዓብና፡፡ ጥይት እናወዳአኩ ስለዝነበረ ረዳተይ ድማ ንዝተረፈ ጥይት ሒዙለይ ደድሕረይ ሰዓበ፡፡ ኣጋግዘ ናብ ምግዳል ዝወፃዕኩላ ዕለት ዘከርኩዋ፡፡ ኣጋምሸት ነበረ፡፡ ንክልቲአን ወቕቲታት ኣመሳሰልኩወን፡፡ ክምትምት በለኒ፡፡ ንምንታይ ግን ኣይተረድኣኒን፡፡ ርግእ ኢሉ ዝመሰል ዝነበረ ውግእ ኣብ Uባታት ገራዶ ምስበፅሐ ደመቐ፡፡ ኣበኡ'ውን ፀላኢ ኣየትከለን፡፡ ሃዲሙ ተዓዘረ፡፡
ይኹን'ምበር ንቕድሚት ኣብ ምጉያይ ናህሪ ክውስክ ገበረኒ፡፡ "ኣረ ደሴ ደሴ ገራዶ ገራዶ" ዝብል ዜማ ጥራሕ እናሰምዐ ብርሑቕ ንገራዶ ዝናፍቕ ዝነበርኩ ብኣካል ምስረኣኩዋ ተገረምኩ፡፡
ናይ የማናይቲ እግረይ ኣብ ዝጨከነት ምድሪ ረገፀት፡፡ ቀስ ኢላ ዘይኮነትስ ብናይ ጉያ ናህሪ ብዝረገፅክዋ ፀረ-ሰብ ፈንጂ ፀላኢ ንሙሉእ ክብደተይ ተሸኪማ ንሰማይ ተፀረገት፡፡ መሬት ሓቢኣቶ ዝነበረት ምስጢር ተጋሂዱ፡፡ ድምፂ ፈንጂ ተደባለቐ፡፡ ልዕሊ 5 ሜትሮ ናብ ሰማይ ምስ ዓረግኩ ከም እንደገና ብስሕበት መሬት ናብታ ብፈንጂ ዝተኹዓተት ጉድጓድ እንትዓልብ ተፈለጠኒ፡
የማናይቲ እግረይ ብኡ ምስተሰልዓት ኣብ ህዋ ጠፍኣት'ምበር ናብ ምድሪ ወሪዳ ኣይተርኣየትን፡፡ ፀጋማይቲ እግረይ ድማ ዓፅመ ስግኣ ከምሕርጭ ደቐቑ ስማ'ምበር ቅርፃ ዝሰኣነት ኮይና ተረኸበት፡፡
ብፆተይ ኣሲሮም ደመይ ዓቂቦም ኣብ ሕክምና ኣትየ ግን ግዝያዊ ሕክምና ረኺበ ሓዚ ኣካላተይ እምበር ወነይ ከምዘይተቆረፀ ኣሚነ ሓላፍነተይ ይዋፃእ ኣለኹ፡፡
ኩነታት ሓዳር ሸዊት
ብዓልቲ ገዛይ "ፀጋ ደሰታ" ትብሃል ኣብ ዓዲግራት ተፋሊጥና ንሓዳር ቃል ተኣታቲና ሐዚ ሰለሰተ ወሊድና ንምስዓም በቒዕና ኣለና፡፡

Page 6/8
Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6 |7 |8

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans

ClicK here
to see
childrens
profiles

“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.
(Nov. 2007)
Read Story Of Amaresh

"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",
(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea
Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved