Welcome to TDVA site

ሸዊት ሸዊቱ

      Page 5

ንሕና ዘለናያ ሓይሊ ኣብ ከባቢ ፀላኢ ስለዝነበረት ፀላኢ መጥቃዕቲ ይፍንወላ፡፡ ሓይሊ ሰባ ከምዝተወሓሓደ ዝገመተ ይመስል፡፡ ተሓናነቅ ኮነ፡፡ ጥይት'ውን እናተወድኣ እዩ፡፡

እታ ሓይሊ ብውሕልነት ከተንሳሕብ ብላዕሊ ተኣዘዘት፡፡ መቸም ምንሰሓብ'ውን እንተዘይክኢልካሉ ሓያል እዩ፡፡ ናይ ባዕሉ ጀግንነታዊ ኣገባብ ኣለዎ፡፡ እናታለልካ ጥይት ከምዘይወዳእካ ዘምስል ስልቲ እናተኸተልካ ምንስሓብ ኮነ፡፡ ሓደ ንቐደም ተኩሱ ን5-6 ወታደራት ደርግ ቀቲሉ እቶም ሰዓብቱ ርእሶም ከይቀበረ ንድሓር ኣይጎይን ብከምዚ ብውሕልነት እንተንሳሕብ ጥይት ተወድአ፡፡

ጥይት ዘለዎ መሲሉኒ ቃታ ብሬነይ እንትስሕብ "ቀጭ"  በለት 2 ቡምባ ጥራሕ ሒዘ ተረፍኩ፡፡ ኣብ ንኡሽተይ ኩጀት ተሓኹU ንዝስዕቦ ዘሎ ሓይሊ ፀላኢ ተዓዘብኩ፡፡ ኣብቲ እግሪ ኩጀት በፃሕኩ፡፡ ብፍላይ 5 ወታደራት ደርግ ናባይ የዕቅቡ ኣለው፡፡ ኣከታቲለ ንክልቲአን ቡምባታት ደርብየ እቲ ቡንባ ኣቃፀሎም፡፡ ድሕሪ እቶም 5 ወታደራት ዝሰኣቡ ካልኦት ወታደራት ፀላኢ ንድሕሪት እንትምለሱን ንምዕዛብ ርእሰይ ኣቅንዕ ኣበልኩ፡፡ ንብፆተይ ብርግኣት ከንሰሓቡ ብየማናይ ኢደይ ኣመላኺተ ከምእንደገና ናብ ዝቐተልኩዎም ወታደራት ክጥምት ቀንዕ በልኩ፡፡ ለካ 2 ወታደራት ደርግ ካብቶም ዝተቐተሉ ንቅድሚት ሓሊፎም ዳርጋ ምሳይ እዩም ዘለው፡፡ ንድሕሪት ከይምለሱ ሬይሳ ንቅድሚት ከይግስግሱ አነ አለኩ፡፡ ግን አነ ኣይረኣኩዎምን፡፡ ብፆተይ ምንስሓቦም ኣረጋጊፀ ንባዕለይ ከንሳሐብ ብድድ እንትብል እቶም 2 ወታደራት ደንጊፆም ቡምባ ከምደንጎላ መዚዞም ወቅዑኒ፡፡ ዳርጋ ኢድ ብኢድ ስለዝኾነ ቀልጢፍ ኣይተፈንጀረን ብፍላይ እቲ ሓደ መርዚዙ  ንጉስመይ ምስ ወቕዖ እቲ ቡምባ ተፈናጠረሞ ንድሐሪት ገፅ ምስ ከደ ተፈነጀረ፡፡

ናይቲ ቡምባ ፍንጣረታት ኣብ ኩሉ ኣካላተይ ተሰኩዖም ደምብደም እንትገብረኒ ተዓዘብኩ፡፡ ኣይተደናገፅኩን፡፡ እቶም ቡምባ ዝደርበዩለይ 2 ወታደራት ደንጊፆም ንድሕሪት ምሰተሓብኡ ጥይት ንዝወድኣት ብሬነይ ኣልዒለ ኣምለጥኩ፡፡ ሽዑ ኣብ ኣካላተይ ዝኣተው ስኮጆታት ንምውፃአ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ እ¥ ኣብ ሕክምና እንተፀናሕኩ ንምውፀኦም ዘይጥዕሙ ሰኮጆታት ግን ክሳብ ሐዚ ኣብ ኣካላተይ ተገሪጨም የሳቕይኒ አለው፡፡

ዕለቱ መጋቢት 23/1983 ዓ.ም ፡፡ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ወፍሪ ቴድሮስ ብጎጃም ካብ ዝጅመር ወርሒ አብዝገብረ ናብ ኣንፈታት ወለጋ ይቕፅል ኣሎ፡፡ ብሰሜን ሽዋ ግንባር ጉጉፍ ዘለዋ ኣሃዱታት ድማ ንወፈሪ ዋለልኝ ምድላዋተን ወዲአን ናብ ግንባራት ደሴን ጣምራበርን ይጥምታ ኣለዋ፡፡

ሸዑ ንኣውሮራ ክ/ጦር ዝተውሃባ ተልእኮ ፍሉይ ነበረ ኣብ ናቁጣታተ ጠባሲትን ከባቢኡን ዝነበረ ፀላኢ ፀራሪግካ ንወፍሪ ዋልልኝ ምችው ባይታ ኣብ ምፍጣር ገዚፍ ትርጉም ንዘለዎም ኣክራናት ምቁፅፃር፡፡ ንሳቶም ድማ ኣክራናት ደሴን ከባቢ ገራዶን እዩም፡፡ ዕለት 23 መጋቢት ንጉሆ መጥቀዕቲ ተጀመረ፡፡ አነን ረዳት ብሬነይን ኣብ መስመር ህጁም ኣተና፡፡  ጠባሲትን ከባቢኣን ኣብ ትሕቲ ወገን ኣትየን ፀላኢ ተሰዓረ፡፡ ካብኡ ዝቕፅሉ ጎቦታትን ታባታትን ቀለልቲ ኣይኮኑን፡፡ መጥቃዕቲ ንሙሉእ መዓዐልቲ ቀፀለ ሰማይ ዝነኽሱ መሲሎም ብርሑቕ ዝረኣዩ ኣኽራናት ደሴ ኣብ ቲሕቲ ጀጋኑ ንኽኣትው ኮለለ ኢሎም ተራኣዩ፡፡


Page 5/8


Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6
|7 |8

 

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans

Sponosr a child today
ClicK here to see
childrens profiles


Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea