Welcome to TDVA site

ሸዊት ሸዊቱ

      Page 4

ድሕሪ ድሙቕ ዓወት 2ይ ደብረታቦር ኣውሮራ ክ/ጦረ ናብ ኣንፈት ሰሜን ሽዋ ኣምረሐት፡፡ ሽዑ ሸዊት ሓጎስ በሊሕ ተዋጋኣይ ኮይኑ እኒሀ፡፡ ንመራሒ መስርዕን ኣቦ ብሬንን ተሓርየ፡፡ ንብሬን ኣብ ውግእ ከም መፍተል ምሽክርካር መለለይኡ ኮነ፡፡ ኣውሮራ ክ/ጦር ከም ልማዳ ሓደ ተወሳኺ ጅግና ስሒላ ናብ መድረኻዊ ዕማም ኣብቀዐት፡፡

ኣብዚ ዓመት እዚ ኣውሮራ ክ/ጦር ዘይተሳተፈቶ ውግእ ዳርጋ የለን፡፡ ኣብ ሬይማ፣ ኣለም ከተማ፣ አብ ጉጉፍን ከባቢኡን ሞላሌን ሰላሌን  ድሓር ከዓ ምሰ ኣብ ፀላኢ ዓብይ ግምት ዝወሃቦ ዝነበረ 3ኛ ክ/ጦር ዝብሃል ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ካራ ምሽግን መራኛን ወዘተ ከምኡ እናቐፀለ 1983 ዓ.ም ሰትራተጂካዊ መጥቀዕቲ'ውን ብጎጃም እንትጅመር ናብ ኣንፈት ወለጋ እንተቅፅል ኣውሮራ ክ/ጦር ናብ መስመራት ደሴን ኮምቦልቻን ክትበትኽ ተዳለወት፡፡

ሸዊትን ተዘክሮታቱን

ሸዊት ካብተን ዘጋጠምኦ አጋጣሚታት ሓንቲት ፍልይቲ ፍፃመ ኣብ ማአኸል ሜዳ ከባቢ እዩ፡፡ ፀላኢ ንክፍለጦራት ዓወደግ መሊኡ ከጥቅዕ ኣብ ሞላሌን ሰላሌ ከምዝተጠናኸረ ተፀነዐ ቅድሚ ባዕሉ ምብጋሱ ሸዊት ዘለዋ ኣሃድ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ሃንደበት ክተጥቅዕ ተጎዓዘት፡፡ ለይቲ ሙሉእ ገስገሰት፡፡

ኣብ ጥቓ ፀላኢ በፂሓ ንውግእ ክትተዓራረ ምስ ኣብሮኾት ግን ካልእ መልእኽቲ መፀ "ፀላኢ ነቲ ሃንደበታዊ መጥቀዕቲ ኣብ ርእሲ ምኽሻፍ ብጎኒ ንምጥቃዕ'ውን ተንቀሳቂሱ ኣሎ፡፡ ሰለዚ ቀልጢፍኩም ተመለሱ" ናብ መጥቃዕቲ ክጎዓዝ ዝሓደረ ሰራዊት መሊሱ ንድሓር ገስገሰ፡፡ መሬት ቀደድ ክብል ምስበለ  ንሕና ዘለናያ ሓይሊ ኣብሓደ መንደር ኣትያ ዋርድያ ኣውፅያ ኣዕረፈት፡፡ ልዕሊ 15 ዝኮኑ ተጋደልቲ ኣብ ደበሪ ህድሞ ወፅዩም ግድም በሉ፡፡ ፀላኢ ብመዳፍዕ ደብዳብ ደጋገመ፡፡ ኣብ መጨረሻ ዝተተኮሰ ቢኤም ግን ኣብታ ልዕሊ 15 ተጋደልቲ ዘለውዋ ህድሞ ደብሪ ዓረፈት፡፡  ንቐደም መውፅኢ በሪ ተቓፀለ እቲ ህድሞ እናተደርመሰ ንጀጋኑ ፀቐጦም ትኪ ዓፊኑ መውፅኢ በሪ ተስኣነ፡፡ ካብ ላዕሊ ነታሐቲ ኣጭሊቐ እንትርኢ ንኡሽተይ ቀዳድ ነገር ተዓዘብኩ ንቐደም ንብሬን ብረተይ ደርብየ ንካልኦት'ውን ጠቆምኩዎም፡፡

ብኡ እናተለሓሓፁ ዳርጋ ፍርቆም ወፁ እቶም ልዕሊ 8ተ ተጋደልቲ ግን በቲ ነበልባልን ብዝቃፀል ዘሎ ኣእዋም ዘተጋረደ ቦታ ተሓፂሮም ክቃፀሉ ጀመረ፡፡ መማረፂ የለን  አነን ካልኦት ብፆተይን ወፅዩም መሊስና ክንረድዕ ፈተና፡፡ እንተኾነ መመሓላለፊ የለን፡፡ ድሓር ግን ነቲ ነበልባላዊ ሓዊ ዝተሓፀረ በሪ እናደፍኡ ንምውፃእ ወሰኑ፡፡ ጎብኦም ንደገ እንትወፁ ተረኣዩ፡፡ ግን ኩሉ ነብሶም ብነበልባል ተጋሪዱ እዩ፡፡ ወፅዩም እንትጎዩ ብዘይካ እቲ ሓውን ነበልባልን ነሳቶም ኣይረኣዩን ዕጥቆም በቲ ፀቢብ መስኮት ስለዝደርበይዎ ምስኣቶም አይፀነሐን እንበር ቀዲሙብምፍንጂር ክውድኣና ዝነበረሉ ኣጋጣሚ እዩ፡፡ ብከምዚ ኩሎም ካብቲ ህድሞ እንትወፁ እ¥ ኩሎም ኣይድሓኑን፡፡ እቶም 3 ብፆት ከም ላስቲክ ምክክ ኢሎም እንትስውኡ እቶም ዝተረፍ ግን ብሕክምና ሓውዩም፡፡ ኣብ ከባቢ ሰሜን ሸዋ ዝነበረ ፅንኩር ኩነታት ብቁርን ቀዝሕን ጥራሕ ዝግለፅ ዘይኮነስ ብባርዕ'ውን ዝግለፅ እዩ፡፡

ሕዚ'ውን ኣብ ሰሜን ሽዋ እዩ ካብ ማእኸል ሜዳ ንኣንፈት ምብራቕ ሪሒቕካ ሞላሌን ሰላሌንን ዝብሃላ ናቑጣታት ፀላኢ ኣለዋ፡፡ ኩሉ ጊዜ ፀላኢ ንዝስኣና ማእኸል ሜዳ ክመልስ ይሙኩር ነበረ፡፡ ብፍላይ ክ/ጦር ኣውሮራ ድማ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብዘየቋርፅ ውገኣት ስለዝነበረት በዝሒ ሓይሊ ሰብ ይመናመን ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብዛ ኣጋጣሚ ክ/ጦር ኣውሮራ ዝነበራ ሓይሊ ካብ 50 ናብ ዳርጋ 10 ሰብ ወሪዳ ነይራ፡፡ ወኒኣ ግን ልዕሊ 50 እዩ ዝበረ፡፡


Page 4/8


Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6 |7 |8

 

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans

Sponosr a child today
ClicK here to see
childrens profiles


Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea