Welcome to TDVA site

ሸዊት ሸዊቱ

      Page 3

ኣብዚ ኩነታት እዚ ክመዓራረ ዝቆወዐ ሓይሊ ፀላኢ መጥቀዕቲ ጀመረ፡፡ ሰዓት 11፡30 ንጉሆ እዩ፡፡ ሸዊት ንፈለማ ጊዜ ንፀላኢ ክቐትል ቃታ ሰሓበ፡፡ ከባቢ ብደበና ዝተሸፈነ እዩ፡፡ ሓያል ቁርን ቀዝሕን ብሓዊ ተኩሲ ተሳዓረ ተኹሲ በርተዐ፡፡ እናመረፅካ ምቅታል ናይ ሸዊት ስራሕ ኮነ፡፡ ንሓው ኣለም ዝረሸነ ወታደር ደርግ ዝቐትል ዘሎ ይመስሎ እሞ ልቡ ይረዊ፡፡

መዳፍዓት ፀላኢ ሓዊ እናተፍኡ መሬት ኩዓቱ፡፡ ናይ ፀላኢ ሓይልን ናይ ተጋደልቲ ሓይልን ብበዝሕን ዘመናዊ ኣፅዋራትን ኣይተመጣጠኑን፡፡ ዋላ እል ካልኦት ክ/ጠራት ክሳብ ዝመፃ ንኡሽተይ ምንስሓብ እንተተገበረ ናይ ፀላኢ ዓላማ ኣይተዓወተን፡፡

ኣጋጣሚ ኮይኑ ሸዊት ንፈለምኡ ጊዜ እናተዋግአ ዝተገበረ ንኡሽተይ ምንስሓብ ዝተሰምዖ ነገር ኣይነበረን፡፡ ውጉኣት ከይተርፍ ንብረት ወገን ብፀላኢ ከይስለብ ቀላሳይ ኮይኑ ፈተንኡ ዛዘመ፡፡ ፍልፍል ጥንካረ ሸዊት ካብዚ ጀመረ፡፡ ሸዊትን ኣውሮራ ክ/ጦርን ቀውዒ ዝጀመርዎ ውግእ 1982 ዓ.ም በኸመይ ኣባይ በፅሐ ፅሒፍካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ደፊኡ ንዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ከም እንደገና ብምትዕርራይ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተገበረ፡፡ ሓይሊ ፀላኢ ንደብረታቦር ሃደመ ነሳ'ውን ኣየዕቖበቶን፡፡ ካብኡ ተደፊኡ ደብረ ታቦር ኣብ ትሕቲ ጀጋኑ ወዓለት፡፡

ይኹን'ምበር ናይ ኢህወደግ ሰራዊት ሙሉእ ዓቕሙን ናህርን ሓልዩ ምእንታን ክጎዓዝ ክስልጥን ነይርዎ፡፡ ምእንቲ እዚ ድማ ናይ መከላኸሊ ስፍራ ካብ ደ/ታቦር ተመሊስካ ኣብ ጉና ተራራ ከምዝበልፅ ተኣሚኑ ደብረ ታቦር ክትልቀቕ ተወሰነ፡፡ እዚ ውሳነ ተግባራዊ ንምግባር ምድላው እናተገበረ ፀላኢ መጥቃዕቲ ገበረ ካብ ደብረታቦር ኣብ ምንስሓብ ፀገም ከምዝነበረ ሸዊት የዘንቱ፡፡ ኣብዚ ህዝቢ ደብረታቦር ቁስላትና ሓቢኡ ሓኪሙ ድሓር ናብ ጉና ተራራ ከምዝለኣኸ'ውን ይውስኽ፡፡

ኣብ ጉና ተራራ ሓያል ናይ ምክልኻል ታሪኽ ብምግር ተሓሊፋ፡፡ 2ይ ደብረ ታቦር መጥቃዕቲ እንትግበር ኣውሮራ ክ/ጦረ ካብ ድፋዕ ወፅያ ንቕድም ድሕሪት (ሓመድ በር) ዝተብሃለ ስፍራ ዓፀወት ፀላኢ ዘምልጠሉ ክሳድ ምኑ እዩ፡፡ መጥቃዕቲ ቀፀለ፡፡ መስተንክራዊ መጥቃዕቲ 2ይ ደብረታቦር ብዓወት ተዛዚሙ ብስራት ዓወት ንህዝቢ እንትግለፅ ሸዊት ከምዚ ኢሉ ነበረ ካብጎቦ ዝመስል ዝነበረ ፀላኢ ስለዝተስዐረ ንኣለም ሓወይን ንህዝቢ ትግራይን ዝሓረደ ስርዓት ፅባሕ ክሰዓር ምኑ ዘመላክት እዩ፡፡ ኣደይ ኣይትሕዘኒ፣ ፅንዒ ንዓይ ንበይነይ ኣይትናፍቂ ምስ ብዙሓት ጀጋኑን ምስ ሚልየናት ኣዴታት ማእኸል ሃገርን እየ ዘለኹ




Page 3/8


Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6 |7 |8

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans

Sponosr a child today
ClicK here to see
childrens profiles


Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea