![]() |

Page 2
"ደርግ ኣብ ኣስመራ ይፍፅሞ ምስ ዝነበረ ጨፍጫፍ ተሓዊሱ ከይኮነ ኣይተርፍን" ካብ ምባል ሓሊ ካልእ ሓቂ ኣይተረኸበን፡፡ ብዝኮነ ሸዊት ካብ ኣርባዕቲኦም ኣሕዋቱ ንሓደ'ውን ስኢኑ እናሃለወ ዕድሚኡ ኣኪሉ ናብ ዝተጋደሉ ኣሕዋቱ ተዓዘረ፡
እቲ ካልአ ምኸነያት ናይ ደርግ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ኣብ ከባቢ ሽረ ምዕዛቡ እዩ፡፡ ሓውን ካልኦትን ተረሽኖም፡፡ ኣብ ማይ ኣድሪሻን ከባቢኣን ብዙሓት ገዛውቲ ተቓፂሎም ወዘተ...
እንትጋደል ናይ ወላዲቱ ወ/ሮ ርግበ ገ/ሚካኤል ኩነታት ከበደ፡፡ ሓሙሸተ ኣወዳት ወሊደን፡፡ ግርማይን መዓዛን ተጋዲሎም፡፡ ኣለም ተረሺኑ፡፡ እቲ ናብ ኤርትራ ዝገሸ ወደን'ውን ኣይተመለሰን፡፡ ሕሳሰ ልደ ዝኾነ ወደን ሸዊት ጥራሕ ምስኣን ነይU፡፡ ንሱ'ውን ሕስስ ኢሉ ናብ ሜዳ እንትግስግስ ነቢዐን ኣንቢዐንኦ፡፡ ግን መማረፂ ኣይነበሮን፡፡ ኣብ ኣፍንጫ ፀላኢ ኮይኑ ከም ሓው ኣለም ካብዝሕረድ ሕነ ሓው ክፈዲ ምግዳል መረፀ፡፡
ኣዲኡ ወ/ሮ ርግበ በይነን ተረፋ፡፡ ብሓዘንን በይናውነትን ተወረራ፡፡ ፅንዓት ጥራሕ ተቐኒተን ኣብ ማይ ኣድራሻ ክፀንሓ ተገደዳ፡፡ ዝተደራረበ ፀገም ኣብ ገዝአን ዓረደ፡፡ ቅድሚኡ ንዝተጋደሉ ደቀን ንምርካብ ዘይተሳገርኦ ሽንጥሮን ዘይሓኾርኦ ጎቦን ኣይነበረን አይተሳኸዐለንን፡፡" ብምዕራብ ነይሮም፡፡ ናብ ምብራቕ ያ ሓሊፎም፡፡ ወዘተ ሸዊት'ውን ከምኡ ኣሊሸን ከምዘይረኽብኦ ኣሚነን " ፅንዓትን ጀግንነትን ይሃብካ" ኢለን ስኽ በላ፡፡
ሸዊት ኣብ ምዕራብ ትግራይ "ኣፅረጋ" እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ በረኻ ሓፂር ወታደራዊ ስልጠና ሰኒቁ ናብ ጎቦታት ሰሜን ኣምሓራ ኣምርሐ፡፡ ኣብኡ ዝፀንሐቶ ክፍለ ሰራዊት ኣሉላ ነበረት፡፡ እዋኑ መስከረም 1982 ዓ.ም ነበረ፡፡ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ ብምድምሳስ ተልእኾኡ ዛዚሙ ናብ ማእኸል ሃገር ይግስግስ ኣብ ዝነበረሉ ወቕቲ እዩ፡፡ ብካልእ ኣንፈት ናብ ማእኸል ሃገር ካብ ዝግስግሳ ክ/ጦራት ሓንቲ ኣውሮራ ክ/ጦር ኣብ ከባቢ ንፋስ ማውጫን ክምርድንጋይን ኣትያ ምስ ፀላኢ ተፋጠጠት፡፡ ቆውዕን ቁርን እዩ፡፡ ብሓይሊ ሰብ ክትጠናኸር መደበ ወረደ፡፡ ካብ ካልእ ኣይነበረን፡፡ ኣሉላ ክ/ጦር ቅድሚ ኣዋርሕ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ብበዝሒ ተቐቢላ ስለዝነበረት ቀኒሳ ክትልእኽ ተገብረ ሸዊት ኣብ ወርሒ ጥሪ 1982 ዓ.ም ካብ ኣሉላ ናብ ኣውሮራ ተፀመረ፡፡
ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ጋሳይን ጉና ተራራን ዓሲሉ ኣሎ፡፡ ካልእ ዓላማ ኣይነበሮን፡፡ ናብ ማእኸል ሃገር እናገስገሰት ንዘላ ኣውሮራ ክ/ጦር ንክልኦትን ፀራሪጉ ናብ ትግራይ ክምልሰን እዩ፡፡ ሸዊት ሓዱሽ ተጋዳላይ ኮይኑ ነቲ ኸባቢ ተዓዘቦ፡፡ በረድ ኪሙ፣ ንገፅካ እናጨፍጨፈ ዝሓልፍ ደበና ሪኡ ተገረመ፡፡ ምሰ ከባቢ እናተላመደ ምስብፆቱ እናተሓላለየ መዓልትታት ኣዋርሕ ወሰዱ፡፡ ፅንዓት ብተግባር እንታይ ምኑ ተምሃረ፡
Page 2/8
Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6 |7 |8

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans

ClicK here
to see
childrens
profiles

“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.
(Nov. 2007)
Read Story Of Amaresh

"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",
(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea
Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved