Welcome to TDVA site

ሸዊት ሸዊቱ

Page 1

ሽሙ ሸዊት ሓጎስ ገሰሰው ይበሃል፡፡ ሸዊት ኩሉ ነብሱ ጅግንነት ጥራሕ ዘይኮነስ ልምዓት'ውን እዩ፡፡ ክልቲአን ኣእጋ\ ካብ ትሕቲ ብርክን ልዕለ ብርክን ዝተቆረፃ እየነ ኣብ ምንታይን በኸመይን ተቆሪፀን ፍሉጥ እኳ እንተኮነ ድሓር ክንምለሶ፡፡

ሸዊት ሸዊታት ቆለዑ ኣፍርዩ አዩ ኣብ ተሽከርካሪ ናይ ጉዱእ ወንበU ተሰቂሉ፣ ሸዊታት ደቁ ሒዙ፣ ኣብ መረብኡ እናልመዐ ረኸብናዩ፡፡ ማሕበር  ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡ ብልዕሊ 50,000.00 ብር ዘስርሓሉ መንበሪ ገዝኡ ናይ ቅድሚት ኣፀዱ አይተመልአን፡፡ "እዚኣ ናብዚ ኣግበራ እቲኣ ድማ ናብቲ ኣውድቃ" እናበለ ኣፀድ ገዝኡ እናሃነፀ ነበረ፡፡
Shewit

"ምስጢር ናይዚ ዓቕሚ እዚ እንታይ እዩ ?" ንዝብል ሕቶ ሸዊት እንትምልስ ምስጢር ጥንካረ ቃልሲ ሕዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስና ብዝኮነ ፀገም ምምብርካኸ ነውሪ እዩ ይብል ሸዊት፡፡ጉዕዞ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተመሊስና ካብቲ ሰፊሕን መወዳእታ ዘይብሉን ታሪክ ሸዊት ብውሕዱ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ሸዊት ሓጎስ ብ1964 ዓ.ም ኣብ ዙርያ ሽረ እትርከብ ማይ ኣድራሻ ተወሊዱ፡፡ ከምቲ ኩሉ ውፅዕ ትግራዋይ ፊደል እናቆፀረ ዘይኮነስ ከፍትን ጤለ በጊዕን እናቖፀረ እዩ ዓብዩ፡፡ ዕድሚኡ ንዓቕመ ኣዳም እናበፅሐ፣ ልቡ እናደልደለ ምስከደ ኣብ 17 ዓመቱ ብ1981 ዓ.ም ለካቲት ናብ በረኻታት ትግራይ ገስገሰ፡፡ ተጋደለ፡፡

ንምግዳል ምኸንያት ዝኾኑዎ ብዙሓት እንተኾኑ በቲ ናይ ሽዑ ሰገን ሕሊንኡ ግን ክልተ እዩም፡፡ ንሳቶም ድማ ኣለም ንዝብሃል ዓብይ ሓው ደርግ ኣብ ከተማ ሽረ ስለዝረሸኖ ነቲ ንኣለም ዝረሸነ ወታደር ደርግ ክቐትል ንሽረ ዘኣተወ ካልኣይ ሓው መዓዛ ንገዛ ኣይተመለሰን፡፡ ምክንያቱ እቲ ንኣለም ዝረሸነ ወታደር ካብ ሽረ ናብ ካልእ ስለዝተቐየረ መዓዛ ካብ ደርጊ ሙሉእ ዕጥቂ ሒዙ ከምዝተጋደለ ሰምዐ፡፡

ቅድሚኡ ብ1969 ሸዊት ገና 5ተ  ዓመቱ እናሃለወ ናብ ሜዳ ዝኸደ ሳልሳይ ተጋዳላይ ሓው'ውን ብወረያ ወረ ንልቡ ስሒቡዎ ነበረ፡፡ "ግርማይ" ይባሃል በኩሪ ናይቲ ገዛ ተጋዳላይ እዩ ብዘይካ ግርማይ መዓዛን ካልእ ዓብይ ሓው'ውን ብምክንያት ስራሕ ናብ ኤርትራ ምስተሳገረ ኣይተመለሰን፡፡




Page 1/8


Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5 |6 |7 |8

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans
Sponosr a child today
ClicK here to see
childrens profiles


Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea