Thanks to all our volunteer supporters, corporate members and partners!

ትማሊ ጅግና ሐዚ’ውን ጅግና

1957 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ዲማ እዩ ተወሊዱ ለገሰ ይርጋ ተካ ለገሰ ካብ ምሕላው ኣጣልን ከፍትን ወፃኢ በሪ ቤት ትምህርቲ ረጊፁን ፊደል ቆፂሩን ኣይፈልጥን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ዓድና ዝነበሩ ስርዓታት ይኽተልዎ ብዝነበሩ ጉጉይ ፓሊሲ ንትምህርቲ ዝህብዎ ትኩረት ትሑት ስለ ዝነበረ እዩ፡፡

ለገሰ ኣብ በረኻታት ከፍቲ እንትሕሉ ተጋደልቲ ህወሓት ይሪኢ ስለዝነበረ ከምኣቶም ዕጥቂ ተዓጢቁ ክቃለስ ዝለዓለ ድሌት ነይርዎ እዩ፡፡ ይኹን እንበር ዕድሚኡ ስለዘይፈቐደሉ ዕድመ ክሳብ ዝኣክል ይፅበ ነይሩ፡፡ እቲ ዝምነዮ ዝነበረ ግን ኣብ ከባቢ 1979 ዓ/ም ንምግዳል ዘብቅዕዎ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጥንካረ እናፈጠረ መፂኡ፡፡

በዚ መሰረት ከዓ 1980 ዓ/ም ናብቲ ዝምነዩን ዝደልዩን ዝነበረ መስመር /ብረታዊ ቃልሲ/ ክፅንበር በቂዑ ዕጥቂ ክዓጥቕ ክቃለስ ወሲኑ ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፅረጋ ወታደራዊ ስልጠና ወሲዱ ናብ ኣውረራ ክፍለ ሰራዊት ተመዲቡ ለገሰ ድሕሪ ሓፂር ወታደራዊ ተዕሊም ብቐጥታ ናብ ሓይልታት ተፀንቢሩ ናብ ውግእ እዩ ኣትዩ፡፡ ምኽንያቱ ከዓ ኣብ 80 ዓ/ም ኣብ መብዛሕተኣን ከተማታት ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ደርጊ ሰራዊት ህ.ወ.ሓ.ት ብዘውረደሉ ተደጋጋሚ ውቅዒት ተሳዒሩ እተን ከተማታት ሓራ ስለ ዝወፃን ደርጊ ወታደራዊ ስዕረት ስለዝተጉልበበን ነዚ ስዕረት እዚ ንከከሓሕስን ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ንክደክምን መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ከፊቱ ስለዝነበረ ነዚ ንምክልኻል ሰራዊት ህ.ወ.ሓ.ት ተጠናኺሩ ክከላኸልን ፀረ መጥቃዕቲ ከካይድን ስለዝነበሮ ኣነውን ቀጥታ ናብ ሰራዊት እየ ኣትየ ይብል ለገሰ፡፡

ለገሰ ኣብቲ እዋን ኣብ ብዙሕ ቦታታት እኳ ዝተዋገኣ እንትኾን ከም ኣብነት ብኽብደቱ ኣብ ዓዲ ጉዞመን ዳንሽን ዝበሉ ከበድቲ ዉግኣት ተሳቲፉ እዩ፡፡ ደርግ ካብ ትግራይ 1981 ዓ/ም ተፀራሪጉ ምስ ወፀ ስርዓት ደርግ ጠቕሊሉ እንተይተወገደ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘይረጋገፀ ምስ ካልኦት ውፅዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓቢርካ ምቅላስ ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛብ ናብ ማእኸል ሃገር ኣብ ግንባር ደብረታወርን ከባቢኣን ኣብ ዝነበሩ ከበድቲ ውግኣት ለገሰ እውን ምስ ኣሃዱኡ ኣብኡ እዩ ነይሩ፡፡

ለገሰ ካብ መሪሕነት መስርዕ ክሳብ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ መሪሕ ኮይኑ ኣዋጊኡ ተዋጊኡ እዩ፡፡ ኣብ ግንባር ደብረታወር /ጉና/ ኣብ ዝነበሩ ከበድቲ ውግኣት ተሳቲፉ ግብኡ ኣወፊዩ እዩ ለገሰ 1982 ዓ/ም መጨረሻ ኣብ ወረታ ዝበሃል ከባቢ መውጋእቲ ኣጋጢሙዎ፡፡

Page 1/2

Pages: 1 | 2

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans


Corporate Members List
ClicK here to see
childrens profiles

Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)

Read Story Of Letensea