![]() |

“ብርሃኑ ሲኢኑ ንህዝቡ ዘብርህ ተቓላሳይ”
Page 5
ገ/መስቀልን ተዘኩሮታቱን
ኣብ እዋን ዕጥቀዊ ቃልሲ ይኹን ኣብእዋን ትምህርቲ ተዘኩሮታት ገ/መስቀል እኳ ብርክት ዝበሉ እንተኾኑ ኣብእዋን ቃልሲ ንዘጋጠምዎ ተዘኩሮታት ጥራሕ ቁንጥር ከነብል፡፡1975 ዓ.ም አዩ ንህዝባዊ ግንባር ክንሕግዝ ኣብ ኤርትራ ነይረ ኣብ ከባቢ ከረን ላሊንባ ዝበሃል እንባ ኣሎ ኣብኡ ምስደርጊ ከቢድ ውግእ ተኻይዱ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ንፀላኢ እናደፋእና ኣፅዋራትን ወታደራትን እናማረኽና ንቕድሚት ንግስግስ ኣለና፡፡ ዝተሰውኡን ዝቆሰሉን ብፆትና እውን ኣብ ድሕሪት ንገድፎም ኣለና፡፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፀላኢ ሓይሊ ወሲኹ ይደፍኣናሞ ካብ ፀላኢ ዝተማረኹ ወታደራትን ንብረትን ከሙኡውን ዝቆሰሉን ዝተሰውኡን ብፆትና ፀላኢ ይቆፃፀሮም እንደገና ሓይልና ውድብና ስልትና ቀይርና ፀረ መጥቃዕቲ ንቕፅል እቲ ዝለቐቕናዩ ቦታ እንደገና ንቆፃፀሮ፡፡ እቲ ውግእ ከቢድን ደማውን እዩ ዝነበረ፡፡ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊልና ኢና፡፡ ካብ ሓንቲ ጋንታ ምልእቲ ሰለስተ ተጋደልቲ ጥራሕ ዝተረፍሉ ከምዝነበረ እዩ፡፡ ኣብ እዋን ምንስሕሓብ ኣነ እግረይ ተወጊአ እየ ነይረ ምሳይ ዝነበሩ ብፆት ግን ገዲፎምኒ ኣይከዱን ሓዚሎም ኣውፂኦምኒ፡፡ ብፍላይ እድሪስ ዝበሃል ናይ ህዝባዊ ግንባር ተጋዳላይ ተወላዳይ ብሔረሰብ ትግረ እዩ ሓዚሉ እንተወፀኣኒ ይዝከረኒ፡፡
እቲ ካልእ ብ80 ዓ.ም ሰለያ እናሃለኹ ኣብ ከተማ ማይጨው ዝነበረ ፀላኢ ክነጥቅዕ ዝተማለአ ፅንዓት ክነካይድ መደብ ተዋሂቡና፡፡ ብመሰረት እዙይ ኣብ ከባቢ ማይጨው ቀትሪ ኣብ ዱር ተሓቢእና ንውዕል ለይቲ ድማ ፀልማት ጉልባብ ገይርና ፅንዓትና ነካይድ፡፡ ፀላኢ ወታደራቱ ሰዲዱ ነቲ ቦታ ሒዙዎ ንሕናውን ኣብ ክባ ኣቲና፡፡ ኣብዚግዜ እዚ መማረፂ ስለዘይነበረና ኣብሻንጣና ኣዳሊና ዝሓዝናዩ ናይ ወታደራት ክዳን ተኸዲና ተመሳሲልና ምስኦም ተሓዊስና፡፡ ከለልዩና ኣይከኣሉን፡፡ ኩሉ /ወደፊት እዩ ዝብል ዘሎ ኣብቲ እዋን ንምድንጋር ዘተጠቐምናሉ ቋንቋ ዝነበረ /ኣንተ ነገ በኣብዩት እንዳትጠየቅ ግዳጅህን ተወጣ/ እናበልና ናይቲ ስርዓት ፍሉያት ተጣበቅቲ መሲልና ስለንዛረብ ኣብካባቢና ዘለው ወታደራት ይፈርሑናን ኣኽብሮት ይህቡና ነይሮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ኣባልና ኢዱ ተወጊኡና እንበር ብዘይ ምንም መስዋእቲ ዘድሊይ ኩውንትና ሒዝና ወፂእና እቲ ውግእ እውን ብፅባሒቱ ተኻይዱ ብዓወት ተዛዚሙ ከተማ ማይጨው ተቐፃፂርናያ፡፡ ኣብ መወዳእታ ገ/መስቀል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣለዎ፡፡
ንሕና ኣብዝሓለፈ ቃልሲ ብጅግንነት ኣካልና ከፊልና ኣለና፡፡ ሰላምን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ብምዕሳል እውን ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ቃልሲ ዛዚምና ኣለና፡፡ ይኹን እንበር ሓዚ እውን ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ዝሓቱ ካልኣይ ምዕራፍ ቃልሲ አለው፡፡ ስለዚ ኩልና ሓድነትና ኣጠናኺርና ክንቃለስ ኣለና፡፡ እቲ ጉዱእ ኩናት እውን ባዕሎ ንክኽእል ፀዓርዓር ክብል ኣለዎ፡፡ መንግስትን ማሕበርን እውን ኣብ ጐኑ ጠጠው ክብሉ ኣለዎም፡፡ እዚ እንተገይርና ዝጠሚ ህዝብን ዝጥወር ጉድእ ኣይህሉን፡፡ ኣነ ክልተ ዓይነይን ሓደ ኢደይን ተጐዲኣ ኣለኹ ሰለስተ ደቀይ ሓዊሱ ሓሙሽተ ስድራ ብዝግባእ ይመርሕ ኣለኹ፡፡ የመስግን፡፡ |
![]() |

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans



Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved