![]() |

“ብርሃኑ ሲኢኑ ንህዝቡ ዘብርህ ተቓላሳይ”
Page 4
ብቑዕ ናይ ዓይነ ስውራን ቤት መፃሕፍቲ ኣብዘይብሉ መንበባይ ሰብ ከምልቡ ኣብ ከባቢኡ ኣብዘይርኸበሉ ኣብቃልሲ ዝሰነቖ ሓበን ዓርሰ እምነት ጥራሕ ሒዙ ምስተምሃረ 12 ክፍሊ ወዲኡ ሃገራዊ ፈተና ወሲዱ፡፡ ከምቲ ኣብዓውደ ውግኣት እናተዓወተ ዝመፀ ኣብ ትምህርቲ እውን ብዓወት ወፅዩ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእትዎ ነጥቢ ረኺቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ተመዲቡ፡፡ ድሐሪ ናይ 4ተ ዓመት ፃንሒት ድማ ብቋንቋ መምህርነት ብድግሪ ተመሪቑ፡፡ ሓዚ ኣብከተማ መቐለ ፍረኣብዮት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመዲቡ ይምህር ኣሎ፡፡
ገ/መስቀል ምእንቲ ሕዝቡ ክብል ብረሃን ዓይኑ ሲኢኑ፣ሓዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ዲሞክራሲን ልምዓትን ዕብየትን ንምርግጋፅ ግብኡ ፈፂሙ፡፡ ዕሸላት ህፃውንቲ ብትምህርቲ ተኾስኪሶም ዓብዩም ተረከብቲ ዓዶም ንክኾኑ ከምሽምዓ እናበርሀ ተምሃሮ ይምህር ኣሎ፡፡
ገ/መሰቀል ናይ ኩናት ጉድእን ኣባል ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ እዩ እሞ ብትምህርቲ ኣብዚ ንክበፅሕ ናይቲ ማሕበር ኣስተዋፅኦ ብኸምዚ ይገልፆ፡፡ መጀመሪያ ኣብ ትምህርቲ እናሃለኹ ስድራይ ብድሕረይ ከይሽገረን ቀልበይ ከይሰሓብን ዓሊሙ በቢወርሑ ልዕሊ 420.00 ብር ትምህርተይ ክሳብ ዝውድእ ንስድራይ ከፊሉዎም እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ንትምህርቲ ናውቲ መግዝእን ካልእ ወፃእታትን ዝከውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብዝነበርክሉ እዋን በቢ ወርሑ 150 ብር ከፊሉኒ እዩ፡፡ ናይ መምሀሪ ናውቲ ከም ብሬልን መሳርሕታቱን በቢ እዋኑ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ እቲ ማሕበር ብሓደግዘ 6000.00 ብር ብመልክዕ ድጐማ ሂቡኒ እዩ፡፡ እዚ ኩሉ ካብ ዕላማ እቲ ማሕበር ተበጊሱ ዝተገበረለይ ሓገዝ እንትኾን ኣብዙይ ደረጃ ንክበፅሕ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለ እዩ፡፡
Page 4/5
Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans

ClicK here
to see
childrens
profiles

“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.
(Nov. 2007)
Read Story Of Amaresh

"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",
(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea
Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved