![]() |

“ብርሃኑ ሲኢኑ ንህዝቡ ዘብርህ ተቓላሳይ”
Page 3
ፀላልማት ዝኾኖም ምስጥር ጋህዲ ክወፅእ ጀመረ፡፡ ካብ ወገን ዝትኮስ በቲሓደ ካብፀላኢ ዝትኮስ ድማ በቲ ካልእ ፀልማት ቀትሪ ኮይኑ ተፈጥሮ ዝተለዋወጠ መሰለ፡፡ ሓራ መሬት ትግራይ ንዘይምድፋር ዝሓረነ ተጋዳላይ ፀላኢ ኣብ ዝፈሓሮም ጐዳጉዲ ይደፉን ኣሎ፡፡ ካብ ሓደ ታባ ናብቲ ካልእ ታባ እናትሻገርካ ንፀላኢ ምቕጥቃጥ ቀፀለ፡፡ ኣዐርዩ ዝተጠናከረረ ድፋዕ ፀላኢ ጥራሕ ተረፈ እቲ ድፋዕ ዘመናውን ብኮንክሪት ዝተሰርሐን እዩ፡፡
ገ/መስቀል ሬድዩ ርክብ ብሓደ ኢዱ ሒዙ ሓይሉ መሪሑ ናብቲ ዝጠንከረ ድፋዕ እናገስገሰ እዩ፡፡ ፀላኢ ድፋዕ ዘድሕኖ ክመስል ኣትኪሉ ክዋጋእ ጀመረ፡፡ ድፋዕ ፀላኢ መቕበሪኡ ካብ ምኳን ሓሊፍ ኣድሒንዎ ከምዘይፈልጥ ብተመኩሮ ዝበሰለ ተጋዳላይ ሐዚውን ንፀላኢ ኣብደፍዑ ምቕባር ጀመረ፡፡ ውግእ ጥንክር ዝበለ ነበረ፡፡ ኣብዚ እዋን ግን ሓደ ኩነታት ኣጋጢሙ እቲ ካብ መሬት ኤርትራ አትሒዙ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ እናተንቀሳቀሰ ታሪኽ ዝሰርሐ ኮኸብ ተጋዳላይ ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ኣርፒጂ ተወቒዑ እወ ገ/መስቀል ካብፀላኢ ብዝተተኮሰ ኣርፒጂ ቃታ ዝሰሓበለን ኣፃብዕቱ ተዝልዒፍ፡፡ ከም ወታደራዊ ክሻፋ ኮይነን ንፀላኢ ዝጨመታ ኣዒንቱ ጠፊኡ፡፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዲሞክራሲን ንምርግጋፅ ሚልዩናት ህዝብታት ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ንምምፃእ ብርሃኑ ከፊሉ፡፡
====//====
ድሕሪ ሕክምና ገ/መስቀል ኣብ ሱዳን ናብዝነበረ ናይ ጉዱኣት መፅለሊ እዩ ከይድ ኣፍቲ መፅለሊ ይወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ንምክትታል ግን ንገ/መሰቀል ክልተዓለም እዩ ኮይኑዎ፡፡ ሓዚ ከም ቀደም ቢሮን ወረቐትን ተጠቒሙ ክመሃርረ ኣይኽእልን ስለዚ ብናይ ዓይነስውራን ብሬል ንክመሃር መጀመሪያ ፊደላት ብሬል ከፅንዕ ነይርዎ፡፡ በዚ እውን ከም ሓዱሽ ሀ ኢሉ ጀመረ፡፡ ናይ ትምህርቲ ድሌቱን ሞራልን ዝነበሮ ገ/መስቀል ቀልጢፍ እዩ ንብሬል መሊኹዎ፡፡ በዚ ኣቢሉ እውን ዝተወሰኑ ክፍልታት ኣብሱዳን ወዲኡ፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ኣብሱዳን ዝተቀመጡ ጉዱኣት ናብዓዶም (ትግራይ) ክኣትው ስለዝተገበረ ገ/መስቀልን ከሞኡ ዝበሉ ካልኦት ጉዱኣት ኣብ ውቕሮን ዓዲግራትን ትምህርቶም ቀፂሎም፡፡ ኣብዚ ሓደሓደ ጉድኣት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ትምህርቶም እንተቋርፁ ገ/መስቀል ግን ትምህርቱ ብፅንዓት ቀፂሉ፡፡
Page 3/5
Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans



Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved