![]() |

“ብርሃኑ ሲኢኑ ንህዝቡ ዘብርህ ተቓላሳይ”
Page 2
ድሕሪ ምድምሳስ 604 ኮር ብርክት ዝበለ መንእሰይ ናብቲ ቃልሲ ክፅንበር ናብ ተዕሊም ስለዝወረደ ገ/መስቀል እውን ከምኡ ዝበሉ ጀጋኑ ክሃንፅ ናብ 02(ታዕሊም) ክዕልም ተመዲቡ፡፡ ገ/መስቀል ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ብዓወት ዛዚሙ ብርክት ዝበለ መንእሰይ ናብ መስርዕ ሰራዊት ተሓዊሱ ውድብ ኣዕርዩ ተጠናኸረ፡፡ ዝነበራ ብርጌዳት ናብ ክፍለጦር ተቀይረን ካብኡ ሓሊፍ ሓደሽቲ ክፍለጦራት እውን ቆይመን፡፡
ገ/መስቀል እውን እቲ ዝህቦ ዝነበረ ወታደራዊ ስልጠና ምስ ኣጠናቐቐ ናብተን ዝተጣየሻ ሓደሽቲ ክፍለጦራት መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ድሕሪ ምድምሳስ 604 ኮር መብዛሕትኡ ክፋል መሬት ትግራይ ነፃ ወፅኡ፡፡ ይኹን እንበር ቃልሲ ወያነ ኢትዩጵያ እንተይተዓወተ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንበይኑ ስለዘይዕወት ተጋዳላይ ደድሕሪ ፀላኢ እናሰዓበ ምስከምኡ ዝበሉ ውፅዓት ህዝብታት ብሓባር ክቕጥቕጥ ናብ ወሎ፣ ጐንደር፣ጐጃም ተሻገረ፡፡
ኣብ ግንባራት ጉና፣ ሰሜን ሸዋ ብመርዛም ውቅዒት ሰራዊትና መትሓዚ መጨበጢ ዝሰኣነ ፀላኢ ሓይልና ንድሕሪት ክሰሕብን ሓራ መሬት ከበሳብስን ካብ ኤርትራ እናሃነነ ራማን ከባቢኣን በፂሑ እዚ ስልቲ ኣዐርዩ ሓደገኛን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከቢድ ስለዝነበረን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዕጡቓት ብፍላይ ድማ እኒ ገ/መስቀል ዝነበርዋ ሓዱሽ ክፍለሰራዊት ደደቢ ንፀላኢ ቀጥቂጦም ስዕረት ስለዘጐምጐሙዎ ባህጊ ፀላኢ ሕልሚ ቀትሪ ኾይኑ ተረፈ፡፡
እንተኾነ ሐዝውን ተስፋ ዘይቆረፀ ፀላኢ ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ኣሰባሲቡ ብዓዲቀይሕን ሰንዓፈን ኣቢሉ ዓድግራት ክኣቱ ኣብ ዛላንበሳ ተኣኻኺቡ ምድላው ይገብር ኣሎ፡፡ ካብ ዛላንበሳ ናብ ዓድግራት ርሑቕ ኣይኮነን፡፡ ፀላኢ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ናብ ዓድግራትን ከባቢኣን እንተኣትዩ ሓራ መሬት ትግራይ ብፀላኢ ከም ዝበስበሰን ቀልቢ ሰራዊትና ናብ ድሕሪት ከምዝምለስን ርዱእ እዩ፡፡
እንተኾነ እንበዓል ገ/መስቀል ሓዚ እውን ርጋፅን ባህግታትን ፀላኢ ሓንቲ ብሓንቲ ብቐረባ ኮይኖም የሻትቱን የጨናጭኑን ኣለው እዩም፡፡ ኩጀታት ዛላንበሳ ፀላኢ ኣብውሽጦም ሓቒፎም ካብ ማእኸል ሃገር መቐለ ሓሊፍ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ሰላምን ሓርነትን ይናፍቑ ኣለው፡፡ መሬት ፀልሚቱ እዩ ዓይንኻ ዘንቁረካ እኳ ክትርኢ ኣይትኽእልን፡፡ ካብ ርሑቕ ከባቢ ትጉዕዝ ዝቐነያ ኣሃዱታት ጐቦታት ዓጋመ ወፅየን ናፍተን ንፀላኢ ሓቒፈን ዘለዋ ጎቦታት ዛላንበሳ እናተፀገዓ እየን ሰላም ዝናፈቁ ጎቦታት ዛላንበሳ ንፋስ ሰላም ክረኽቡ መዓልቲ ኣኺሉ ኣሎ፡፡ ታሪኽ ዝተዓደለ ተጋዳላይ ታሪኽ ክሰርሕ ተዳልዩ ኣብናይ መጨረሻ ውግእ መስመር በፂሑ ኣሎ፡፡
Page 2/5
Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5

>> Mahder Jeganuna
Click here to see more stories about the veterans

ClicK here
to see
childrens
profiles

“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.
(Nov. 2007)
Read Story Of Amaresh

"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",
(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea
Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved