Welcome to TDVA site

“ብርሃኑ ሲኢኑ ንህዝቡ ዘብርህ ተቓላሳይ”

         Page 1

ሙሉእ ሽሙ ገ/መስቀል ደሳለኝ ወለዓብዝጊ ይበሃል፡፡ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣብወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ጣብያ ዓዲ ወያነ እዩ፡፡ ከምቶም ካልኦት ህፃውንቲ ትግረዎት ንሱውን ፊደል እናቆፀረ ኣይኮነን ዓብዩ፡፡ ካብጭራ ጤል ምሕላው ሓሊፍ ድርኩኺት ቤት ትምህርቲ ረጊፁ ኣይፈልጥን፡፡ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ በረኻታት ትግራይ ዝተተኮሰት ናይ ሓርነት ርችት ድምፃ ናብኩሉ ኩርነዓት ትግራይ እንትጋዋሕ ልቢ ገ/መስቀል ኣብ መስርዕ እቲ ቃልሲ ንምስላፍ ምሽፋት ጀሚሩ እዩ፡፡

ዕድሚኡ ንቃልሲ ምስፈቀደሉ ድማ 1974 ዓ.ም ናብቲ ዝናፍቆ ዝነበረ መስርዕ ህወሓት ክስለፍ ናብ በረኻ ወሪዱ (ተጋዲሉ)፡፡ ኣፍቲ እዋን ብዝነበረ ኩነታት ታዓሊም ዝወሰደሉ ኣብ ትግራይ ዘይኮነስ ናብኤርትራ ከይዶም እዩም ተዓሊምም ድሕሪ ምውዳእ ታዕሊም ብናይቲ ከባቢ ኣፀዋውዓ ኣብ ሓለዋ ሳውራ ወይ 06 ተመዲቡ ቃልሲ ሓደ ኢሉ ጀሚረ፡፡

ስርዓት ደርግ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቕ ቀይሕ ኮኸብ ዘመቻን ሰላሕታ ወራርን ኣዊጁ ንህዝባዊ ግንባር ኣብ መንቀርቅር ኣእትዩምዎ ስለዝነበረ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅንዕ እዩ ኢሉ ካብ ብጐሓቱ ዝኣመነ ህወሓት ነቲ ቃልሲ ንምድሓን ክብል ንህዝባዊ ግንባር ዝሕግዛ ኣሃዱታቱ ናብ ኤርትራ ተላኢኸን፡፡ ካፍተን ዝተልኣኻ ኣሃዱታት ሓንቲ ብርጌድ 51 ሓንቲ ስለዝነበረት ገ/መስቀል ኣባል እዛ ብርጌድ ኮይኑ እዞም ወራራት ክሳብ ዝፈሽሉ ኣብ መሬት ኤርትራ ከባቢ 3ተ ዓመት ፀኒሑ እዩ፡፡

ብርጌድ 51 ዝተውሃባ ውድባዊ ልእኽቶ ብዓወት ዛዚማ ውረት ደርግ ኣብኤርትራ ደራዒማ ናብ መሬት ትግራይ ተመሊሳ፡፡ ካፍቲእዋን ንሱ አትሒዙ ገ/መስቀል ናይታ ብርጌድ ሰለያ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ መለለይ ስም እታ ብርጌድ ካብ ብርጌድ 51 ናብ ብርጌድ 23 ቀፂሉ ናብ ብርጌድ 66 እንትቀያየር ዝተፈላለዩ ልእኽቶታት ክትዕወት ካብሪጅን ናብ ካልእ ሪጅን እንትትፃፋዕ ገ/መስቀል ሐዚ እውን ምስ ብርጌዱ ኣሎ፡፡

ካብ 1977 – 1980 ዓ.ም አትሒዙ ግና ሓደግዘ ናይቲ ወደብ ማእኸላዊ ወታደራዊ ሰለያ ሓደግዘ ከዓ ኣብ ኣጋር ሰራዊት መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ብፅንዓት ዝቃለስ እዩ፡፡ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ ሰራዊት ምስተመደበ ኣፍቲ እዋን ውድብ ናብዝኸፈቶ ቤት ትምህርቲ ፖለቲካውን ኣካዳሚካውን ዓቕሙ ንከዕቢ ተመልሚሉ ተላኢኹ፡፡ ትምህርቲ ሓደኢሉ ጀመረ፡፡ ብቃልሱ ኣብ ቃልሲ ፊደል ቆፀረ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ንነዊሕ እዋን ናይ ምፅናሕ ዕድል ኣይረኸበን፡፡ ምክንያቱ ኣብ ሽረ ዓሪዱ ዝነበረ መበል 604 ኮር ንምቅባፅ ምድላው ይግበር ስለዝነበረ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተበገሱ ተባሂሎም ገ/መስቀል እውን መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ናብቲ ውግእ ወፅዩ፡፡



Page 1/5


Pages: 1 | 2 | 3 | 4 |5

 

Mahder Jeganuna
>> Mahder Jeganuna

Click here to see more stories about the veterans

Sponosr a child today
ClicK here to see
childrens profiles


Story of Amaresh
“I put in an application for a plot in some land being allocated by the municipality to disabled veterans”, she explains.

(Nov. 2007)

Read Story Of Amaresh

Letensea
"When I was better I went back to fight and was wounded again, this time in my head",

(Jan. 2008)
Read Story Of Letensea