![]() |

ኣብርሃ /ቀጠፍ/
page 2
ኣብ ደብረ ታቦርን ከባቢኣን ዝነበረ ፀላኢ ተደምሲሱ ሐዚ እውን ኣብ ካራምሽግን መራኛን ዝነበረ ፀላኢ ኣጥቂዕና ንቕድሚት ንሓልፍ ኣለና፡፡ ነዚ ኩነታት ዝተገንዘበ ፀላኢ ግና ምንቅስቓስና ክዓግት ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ኣኻኺቡ ኣሎ፡፡ ብፍላይ 3ኛ ዝተበሃለ ናይ ፀላኢ ክፍለ ጦር ተንቀሳቒሱ ንጉጉፍ ሙሉእ ንሙሉእ ዓፅይዎ ኣሎ፡፡ ጉጉፍ ንውግእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ቦታ እዩ፡፡ ኣብዚ ቦታ ዝነበረ ፀላኢ ንምፅራግ ናይ 24 ሰዓት ብእግሪ ተጓዒዝና ጠባሲት ኣቲና፡፡ ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ኣጥቂዕና ንጉጉፍ ክነጥቅዕ ምድላው እናገበርና እንተለና ሰረቀ ብርሃን ዝመርሓ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ሰዓት 10 ውግእ ከፊቱልና እቲ ውግእ ከቢድ ነይሩ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊልና ኣነ እውን ሰዓት 12 ናይ ንጉሆ ኣብ ዓንዲ ሕቆይ ብኸቢድ ተወጊአ ብፆት ኣውፂኦምኒ ናብ ሕክምና ተወሲደ፡፡ »
ድሕሪ ሕክምና ኸ?
«ኣብ ዓርቋይ ድሕሪ ምሕካም ኣብ ውቕሮን ዓዲግራትን ኣብ ዝነበረ ናይ ጉዱኣት መፅለሊ ካብ 4ይ-8ይ ክፍሊ ተማሂረ፡፡ ብድሕሪኡ ኩሎም ጉዱኣት ኲናት ዝተፈላለየ ዓይነት ስልጠና ወሲዶም እግሪ ክተኽሉ እንትግበር ኣነ እውን ሓሙሽተ ርእሰይ ኮይነ ሓንቲ ንእሽተይ ጠሓኒት መኪና ኣብ ከተማ ዓዲግራት እግሪ ተኺለ፡፡»
ቀጠፍ ዋላኳ ዝኸበደ ኣካላዊ መጉዳእቲ እንተሃለዎ መንግስትን ውድብን ክጥውሩኒ ኣለዎም ኣይበለን፡፡ ጠርናፊ ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ ኣብ ተሽከርካሪ ወንበር ኮይኑ ለይትን ቀትርን ፀዓርዓር እንዳበለ እዩ ዝነብር፡፡ ቀጠፍ ዘለዎ ጉጅለ ብስርሖምን ብጥንካረኦምን ካፍቶም ብኣብነት ዝጥቀሱ ጉዱኣት እዮም፡፡ ኩሎም መንበሪ ገዛ ኣስሪሖም ኣለው፡፡ ብሓንቲ ዝጀመርዎ ስራሕ ሐዚ ወነንቲ 5ተ መጥሓን ኮይኖም ኣለው፡፡ ንሕድ ሕዶም 65,000 ብር ኣብ ባንኪ ተቐማጢ ኣለዎም፡፡ ብፍላይ ቀጠፍ ኣብ ዓዲ ግራት 4ተ ክፍሊ ቪላ ገዛ ዝሰርሐ እንትኾን ኣብ መቐለ ድማ መሬት ገዚኡ ካልእ መንበሪ ገዛ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ንመንቀሳቐሲኡ እትኾን ሰለስተ እግራ ሞተርሳይክል ብልዕሊ 11,000 ብር ገዚኡ ኣሎ፡፡
![]() |
![]() |
|---|---|
| መንበሪ ገዛ ኣብርሃ /ቀጠፍ/ብከፊል | ናይ ኣብርሃ /ቀጠፍ/ ሞተርሳይክል |




Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved