![]() |

ኣብርሃ /ቀጠፍ/
page 1
ሙሉእ ሽሙ ኣብርሃ ገ/ሄር ናይ ቃልሲ ቅፅል ሽሙ ከዓ (ቀጠፍ) ይበሃል፡፡ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣቢያ ኣዞባ እዩ፡፡ ወታደራት ደርግ ካብ ዓዲግራትን ምጉላትን እናተንቀሳቐሱ ኣብ ህዝቢ ኣዞባ የውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕን ስቓይን ኣብርሃ ካብ ቁልዕነቱ ይዕዘብ ነይሩ፡፡ ካብ ምዕዛብ ሓሊፉ ልቢ ኣብርሃ ቂም ምቑፃር ጀሚሩ እዩ፡፡ ዕድሚኡ ኣኺሉ ካብ መስርዕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅንባር እውን ሃፀፀ፡፡ ምኽንያቱ ቅድም ኢሉ ብተዳጋጋሚ ክጋደል እየ ኢሉ ከይዱ ቆልዓ ኢኻ እናተበሃለ ተመሊሱ እዩ፡፡
ድሕሪ ግዜ ግን ዋለ ሐዚ እውን ቆልዓ እንተኾነ ትምኒት ኣብርሃ ሰሚሩ፡፡ ኣብ 1973ዓ/ም ወዲ 16 ዓመት እናሃለወ ንኽጋደል ተፈቒድሉ፡፡ ሚሒር ድማ ተሓጊሱ፡፡ ምኽንያቱ ካፍቶም ንሰርዓት ደርግ ንምውጋድ ዝኳሽሑ ጀጋኑ ሓደ ኮይኑ ብታሪክ ስለዝተዓደለ፡፡
ኣብርሃ /ቀጠፍ/ ኣብ ኣፅረጋ ወታደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምውሳድ ኣፍቲ እዋን ብርጌድ 51 እናተብሃለት ትፅዋዕ ናብ ዝነበረት ኣሃዱ ተመዲቡ ፀኒሑ ድማ ናብ ብርጌድ 35 ተቖፂሩ ኦፕሬተር/ሬድዮ ርክብ/ ኮይኑ ይቃለስ ነየሩ፡፡ ብፍላይ ካብ 1974-1981 ዓ/ም ኣባል ፖሊት ቢሮ ህወሓት ናይ ዝነበረ ስውእ ክንፈ ገ/መድህን ኦፕሬተር ኮይኑ ምሽጥር ውድቡ እናዓቀበ ብተኣማንነትን ፅንዓትን ተቓሊሱ፡፡
ኣብ መወዳእታ 1981 ዓ/ም ምስ ምኽፋት ሓዱሽ ግንባር /ማእኸል ሃገርን/ ናይ ሰራዊት ኣወዳድባን ኣብ ኣቃቂ ክፍለ ሰራዊት መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነበሩ ከበድቲ ውግኣት ከም ደብረ ታቦር፣ ጉና፣ ጉጉፍ፣ማህል ሜዳ ፣ መራኛ፣ ምስ ፀላኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ተፈጥራዊ ፀገማት እቲ ከባቢ እውን ተዋጊኡ እዩ፡፡
ነቲ ዝነበረ ኩነታት ቀጠፍ ብኣንደበቱ እንትገልፆ ከምዚ ይብል «እቲ ግንባር ሓዱሽ ከም ምዃኑ ብተወሳኺ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኡ ኣፀጋሚ፣ ዓፅምኻ ዝሰብር ቁሪ ተወሲኽዎ ንውግእ ምችው ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሰራዊትና ዝነበረ ፀቢብነትን ምስቲ በቲ ከባቢ ህዝቢ ኣብ መጀመርያ መልኢና ዘይምሕቋፍን ካልእ ተወሳኺ ፀገም እዩ ነየሩ፡፡ ንኹሉ ግን ብፅንዓት ተሓሊፉ፡፡




Copyright © 2006. Tigray Disabled Veterans Association all rights reserved